ብቕድሜና ዘሎ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኽየደ ዳህሳስ ደገፍ ሰልፍታት ንሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራትና ዘሎ
ደገፍ ብ 3.6% ከምዝነከየ ተሓቢሩ። ነዚ ዳህሳስ ብስም ሬድዮ ሽወደን ዘካየደ ኢንዲካተር ኦፒንዮን እዩ። እቲ ሰልፊ ኣብ መረጽቲ
ዘለዎ ደገፍ ኣብ 28.7% እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ዘመዝገብዎ ነጥቢ ዝሓሸ ኮይኑ፥ ኣብ
ባይቶ ካልእ መንበር ክረኽቡ እዮም ማለት እዩ። ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ካብ 2.3% ናብ 4.0% ወሲኹ’ሎ። ነቲ ኣብ
ባይቶ ኤውሮጳ መንበር ንምርካብ ዘድሊ ናይ 4% ደረት ድማ በጺሖሞ’ለዉ። ሊበራላውያን ገና ትሕቲ እቲ ኣሃዝ ጥራይ ምህላዎም
እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።