ሬድዮ ሽወደን ንራብዓይ ግዜኣ ምስ ሕጹያት ውድባት ሽወደን ኣብ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ቃለ መሕትት ኣካዪዳ’ላ። ኣብዚ ግዜ እዚ
ድማ ሬድዮ ሽወደን ኣተኲሮኣ ኣብ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክወዳደሩ ካብ ዝኸዱ ላዕለዎት ዝርዝር ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ
ናብ ዝኾነት ኣሊስ ቴዎዶረስኩ ሞቬ ጌራ’ላ። ሞቬ ናብ ፖለቲካ ሰልፊ ብተዛማዲ ሓዳስ ኮይና፥ ኣብ ሊበራላዊ ዓቃባዊ ሰልፊ
ከምኡ’ውን ጸሓፊት ርእሰ ዓንቀጽን ከምኡ’ውን ኣብ ሰልፊ ሞደራትና ሓጺር ተመኲሮ ዝጸንሓ እያ። ዝሓለፈ ጥሪ ሰልፊ
ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ክትሓብሮም ድሕሪ ዝገበሩላ ሕቶ እያ ናብቲ ሰልፊ ተጸንቢራ። ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኣብዚ ምርጫ
ሒዝዎ ዘሎ ጭርሖ “ዶብን ናጽነትን” ዝብል እዩ። ኣሊስ ቴዎዶረስኩ ማዌ “ዶብካ ምሕላው ናጽነትና ምሕላው እዩ። ኣብዚ ግዜዚ
ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘስዓቦ ቅልውላው ድሕነት ከምኡ’ውን ልዑል መጠን ጸረ-ኣይሁድነት ኣሎ። በዚ ድማ
ኣይሁዳውያን ከምቲ ቀድም መንነቶም ብጋህዲ ከርእዩ ይኽእሉ የለዉን፥ ክሕብኡ ይግደዱ ኣለዉ። ስለዚ ድማ ሃገርና ኣንጻር ሩስያን
ጽልዋኡ እናስፋሕፍሐ ዝመጽእ ዘሎን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ንምክልኻል ዶብ ከድልየና እዩ” ኢላ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሃባራዊ
ጒዳያትን ውሽጣዊን ዘሎ ዶብ ፍልልያት እናደፍአ ይመጽእ ምህላዉ ከም ዘሻቕላ ድማ ወሲኻ ገሊጻ። “ስደተኛታት ባሕሪ
መዲተራንያን ተሳጊሮም ናባና ክመጹ ዝገብር ዘሎ ህሉው ኣገባብ ኢሚሬሽንን ኣታሕዛ ሕቶ ዕቚባን እዩ” ዝበለት ማቫ “ስደተኛታት
ካብ ዶባት ኣውሮጳ ወጻኢ ኮይኖም ዕቚባ ዝሃቱሉ ሓድሽ ኣገባብ ምትእትታው ከድልየና እዩ፣ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብተን ካብ ዶብ
ኤውሮጳ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ነዚ ሕቶ ከቕርብዎ ምግባር ዝሓሸ ኣገባብ እዩ” ትብል።
ን ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣመልኪታ ኸኣ “ኣብ ጎድኒ ዩክሬን ደው ክንብል ኣሎና። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ይመስለኒ”
ኢላ’ላ።