ሬድዮ ሽወደን ከም ኣካል ናይቲ ዝመጽእ 9 ሰነ ዝካየድ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ ኣመልኪታ ምስ ላዕለዎት ሰልፍታት ባይቶ ሽወደን
እትገብሮ ዘላ ተኸታታሊ ቃለ መሕትት ትማሊ ምስ ቻርሊ ቫይመርስ ካብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣዕሊላ’ላ። ቫይመርስ ኣብ ቀረባ
እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ዝወሰዶም ክልተ ዓበይቲ ፓኬጃት ክስርዞም ወይ ክቕይሮም ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እቶም ፓኬጃት ን
ስደትን ክሊማን ዝምልከቱ እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ዝርከብ ዓቢ ማእከላይ የማናዊ ጉጅለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ፡ ምስቲ
ሰልፊ ዲሞክራትና ኣካል ዝኾነሉ ዓቃባዊ-ሃገራዊ ጉጅለ ማለት ECR ክሰርሕ ተስፋ ጌሩ’ሎ።
“ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዓብሊሉ ዝነበረ ማእከላይ ጸጋማዊ ምትሕብባር ምርሓቕ
የድልየና” ኢሉ’ሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ባልቲክ ንትራፊክ ኣየር ጸገም ከስዕብ ዝጸንሐ ምትእትታው ጂፒኤስ ካብ
ሩስያ ዝመጸ ክከውን ከም ዝኽእል ሓያሎ ክኢላታት ንፖድካስት ሬድዮ ሽወደን “ግራንስ” ሓቢሮም።
“ሩስያ መጠን ተጻዋርነት ጸቕጢ ሃገራት ምዕራብ ንምፍታን ዝገበረቶ እዩ” ክትብል ማርያ ኢንግክቪስት ካብ ኤጀንሲ ምርምር
ምክልኻል ሽወደን ገሊጻ’ላ። ምትእትታው ጂፒኤስ ፓይሎታት ኣብ ዝጓዓዙሉ እዋን ምዝንባዕ ከም ዝፈጥረሎም እዩ ዝግለጽ።