በቲ ፍሉይ ሕላገቱ ሰላይ ሩስያ ምዃኑ ጥርጣረታት ዘለዓዓለ፡ ቫልዲሚር ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ቤሉጋ ዝዓይነቱ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኖርወይ ሞይቱ ተረኺቡ። ሬሳ ናይ’ቲ ዓሳ ነባሪ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ሪሳቪካ እናተንሳፈፈ ብጀለብቲ ኣቦን ወድን ከምዝተረኸበ ኖርወጃዊ ህዝባዊ ፈነወ NRK ሓቢሩ።
“ህቫልዲሚር ዓሳ ነባሪ ጥራይ ኣይነበረን፤ ንሱ ትእምርቲ ተስፋ፡ ምትእስሳርን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ዓለምን ዘሎ ዓሚቝ ምትእስሳር ዘዘኻኽርን ፍጡር እዩ ነይሩ” ክብል ምንቅስቓሳቱ ክከታተል ዝጸንሐ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ማሪን ማይንድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ። ህቫልዲሚር ዝብል ስም ብውህደት ናይቲ ንዓሳ ነባሪ ዝገልጽ ናይ ኖርወይ ቃል “ህቫል”ን ቀዳማይ ስም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ዝወጸ ኮይኑ፡ እቲ መጥበዊ ፍጥረት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ርሑቕ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ኣብ 2019 እዩ ተራእዩ።
እቲ “ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝተሰርሐ መሳርሒ” ዝብል ማሕተምን ካሜራን “ሰላዪ ዓሳ ነባሪ“ እዩ ዝብል ግምታት ቦታ ክህወሃቦ ጌሩ እዩ። ሰብመዚ ኖርወይ፡ ህቫልዲሚር ምስ ደቂ ሰባት ጽቡቕ ምልምማድ ዘለዎ ስለዝመስል ካብ ሓደ መኽዘን ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣምሊጡ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ። ሞስኮ ነቲ ግምታት መልሲ ሂባትሉ ኣይትፈልጥን’ያ