ቅድሚ 5000 ዝነበረን ብ ዘይተለምደ መልክዕ ብ ጽቡቕ ዝተዓቀበን ቅርሲ ደቂ ሰባት ብዲኤንኤ ድሕሪ ዝተገበረ ትንተና፡ ኣብ እዋን ዘመነ እምኒ ዝነበረ ቀዛፊ ሕማም ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሕሰብ ዝነበረ ብዝበዝሕ ቊጽሪ ሰባትከም ዝቐተለ ኣመልኪቱ። እዚ ኣብቲ ብዛዕባ ምርምር ሰባት ዘመነ እምኒ ሓደ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምዃኑ እምነት ተነቢሩሉ’ሎ። ኣብ ጥንታውያን ሓረስቶት ስካንዲናቭያ “ምንቊልቋል ኒዮሊቲክ” እናተባህለ ዝዝከር ርኡይ ምንቁልቋል ቊጽሪ ሰባት ንምብራህ ድማ ሃጋዚ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
“እቲ ዘገርም ድማ እዚ ኣብቲ ህዝቢ ኣዝዩ ልሙድ ምንባሩ እዩ። 17% ካብቶም ናይ ሽዑ ህዝቢ ብቀዛፊ ለበዳ ተሃስዮም እዮም” ክብል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ካርል-ጎራን ሾግረን ገሊጹ’ሎ