ኣብ ወሰን ስቶክሆልም ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ዝኣቱን ዝወጽእን ትራፊክ ነፈርቲ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ንሓደ ለይቲ ተቛሪጹ፡፡ እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ጥቓቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክበራ ስለ ዝተራእያ እዩ። ዝኣትዋ ዝነበራ ነፈርቲ ናብ ካልኦት መዓርፎ ነፈርቲ ክቕይራ ከም እተገብረ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ፍጻመ ምስ ምክልባት ዝተተሓሓዘ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ፖሊስ ነቲ ጒዳይ ይምርምሮ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።