ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክሬን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ምሉእ ኲናት፥ ናብ ስግረ-ዶባዊ ወራር ኣብ ዝጸቕጠሉ ዘሎ እዋን፡ 1000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር መሬት ሩስያ ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ኮማንደር ኦሌክሳንድር ሲርስኪ፡ ዩክሬን ኣብ ዞባ ኲርስክ ነዚ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር 7 መዓልታት ምሕላፋን ኣመልኪቱ’ሎ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሩስያ ኣብ ልዕሌና ባርዕ ኲናት እኳ እንተኣወጀት ሕጂ እቲ ባርዕ ናብ ባዕላ ይምለስ ኣሎ ክብል ገሊጹ’ሎ። መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ግን ነቲ መጥቃዕቲ “ዓቢ ምትንዃይ” ክብል ብምግላጽ፡ ሓይልታት ሩስያ “ንጸላኢ ካብ መሬት ሩስያ ክሰጒዎ” ኣዚዙ’ሎ። ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ንድሕነቶም ካብ ዞባ ምዕራባዊ ሩስያ ክግዕዙ እንከለዉ፡ ተወሳኺ 59 ሽሕ ሰባት ድማ ክወጹ ተነጊርዎም ኣሎ። ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ኩርስክ ኣሌክሲ ስሚርኖቭ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ 28 ዓድታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ዩክሬን ከምዝወደቓን፡ 12 ሲቪላት ከምዝተቐትሉን ብሓፈሻ “እቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ኮይኑ’ሎ” ኢሉ።
ወተሃደራት ዩክሬን ዝሓለፈ ሰሉስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቶም ብምፍጻም ክሳብ 30 ኪ.ሜ ናብ ሩስያ ገስጊሶም እዮም። ዋና ኣዛዚ ዩክሬን ሕጂ ሓይልታቱ ክሳብ 1000 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝበጽሕ መሬት ሩስያ ይቆጻጸርዎ ኣለዉ ዝብል ምጉት ገለ ጥርጣረታት ነይሩ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ኲናት፡ ኩሉ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዩክሬን ከምዘሎ ኣይተኣመነን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ምስ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ጻውዒት ንእስራኤል ካብ መጥቃዕቲ “ክትቁጠብ” ተማሕጺኑ። ሰር ኬር ንማሱድ ፔዘሽክያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ከቢድ ሓደጋ ጌጋ ውሳነ ክፍጠር ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ህድኣትን ብጥንቃቐን ምሕሳብ ዝግበረሉ እዋን’ዩ” ክብል ዳውኒንግ ስትሪት ገሊጹ። ድሕሪ መጋቢት 2021 መራሒ ብሪጣንያ ነበር ቦሪስ ጆንሰን ን ሓሰን ሩሃኒ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያን ፕረዚደንት ኢራንን ከም ዚ ዓይነት ጻውዒት ክግበር ሕጂ ፋልማዩ እዩ።