ኣዝዩ ስሙይ ውድብ ሰላም ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ጒባኤ ዝነበረ ሃዋሁ ልዝብ ዝበለ እኳ እንተነበረ፥ ኩለን ሰልፍታት ባይቶ ዝሓለፈ ሰሙን ወጻኢታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣጸቢቑ ክውስኽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ተሰማሚዐን ኣለዋ። “ሕጂ እንህቦ ድምጺ ካብ ዝኾነ ይዂን ካልእ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ስምዒት ኣሎና” ክብል ፕረዚደንት ማሕበር ሰላምን ምሽምጋላን ሽወደን፡ ስቨንስካ ፒስ ኬርስቲን በርገዮ ይገልጽ። ሽወደን ኣባል ኔቶ ንኸይትኸውን ብዙሕ ጻዕርታት እኳ እንተገበረ ዘይተዓወተ ውድብ ሰላም ሽወደን፥ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መሬት ሽወደን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትከል ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምዕባይ ኣተኲሮ ጌሩ ይሰርሕ ኣሎ።