ሩስያ ዛጊት ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ካብ ዘካየደቶ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈጸመት ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ገሊጹ። ትማሊ
ሰኑይ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ልዕሊ ፍርቂ ዞባታት ዩክሬን ብዝገበርዎ ደብዳብ ብውሕዱ 7 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ
ብዓሰርተታት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ። ብዘይካዚ ትሕተ ቅርጺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምዕናዉ፡ እዚ ድማ ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ
ኤሌክትሪክ ኣስዒቡ ምህላዉ፡ መላእ ሃገር ኣብ ትሕቲ መጠንቀቕታ ደብዳብ ኣየር ስለዝኣተወትን ሰባት ካብ ደብዳብ ክዕቆቡ
መተንቀቕታ ተዋሂቡ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዩክሬን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ተኣማኢና’ላ። እዚ ዝጸንሀ ናይ
ኲናት ስልታ ምዃኑን፥ ኩሉ ዕላማታታ ድማ ምዕናዉን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።
እቲ ከቢድ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ትማሊ ሰኑይ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሓደ ለይቲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንግሆ
ቀጺሉ’ሎ። ከምኡ’ውን ትማል ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ክሪቪ ሪህ ብ ሚሳይል ሩስያ ሲቪላዊ ህንጻ ትሕተ-
ቅርጺ ብዕናዉ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትመውት እንከላ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ደሃዮም ዝጠፍኡ ተባሂሎም ተምዝጊቦም
ምህላዎም ሓላፊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ኦሌክሳንድር ቪልኩል ኣብ ቴሌግራም ገሊጹ’ሎ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን
ማይኮላ ኦለሽቹክ፡ ሩስያ ክሳብ ትማሊ ንግሆ 127 ሚሳይላትን 109 ናይ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝፈነወት፥
ካብዚኦም ዩክሬን 102 ሚሳይላትን 99 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዝወደቐት ኣብ ቴሌግራም ሓቢሩ’ሎ።