ሩስያ ኣብ ማእከላይ ዩክሬን ከተማ ፖልታቫ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ብውሕዱ 51 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 271 ሰባት ድማ
ቆሲሎም። በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ወተሃደራዊ ኣካዳሚን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ሆስፒታልን ተሃሪሞም ኣለዉ። ሓይልታት ምድሪ ዩክሬን
በቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ሰራዊት እውን ከም እተቐትሉ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እቲ ደብዳብ ሰባት ናብ መዕቆቢ ከባቢታት ንምብጻሕ
ኣይድለዎምን ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክሬን ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ነቲ ደብዳብ ኣዝዩ ረሳሕ ስራሕ
ሩስያ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ፡፡ ዩክሬን ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል መጥቃዕቲ
ብምክያድ ንነብሳ ክትከላኸልን ክሊ ኣየራ ክትከላኸልን ሓገዝ ክግበረላ ኸኣ ደጋጊሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ሞስኮ ብዛዕባ እቲ
መጥቃዕቲ ዛጊት ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ኣሜሪካ ዓሚ 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸሞ ቀዛፊ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ንመራሒ ሓማስ ያህያ ሲንዋርን ካልኦት
ሓያሎ ፍሉጣት እቲ ጉጅለን ክሲ ኣቕሪባ። ክፍሊ ፍትሒ ንሽዱሽተ ኣባላት ሓማስ ብቕትለት ዜጋታት ኣሜሪካ፣ ግበረ ሽበራዊ
ምጥፈት ብምምዋል፥ ውዲት ምፍጻምን ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ምጥቃምን ሓዊሱ 7 ክስታት ቀሪቡሎም ምህላዉ
ገሊጹ። እቲ ገበናዊ ጥርዓን ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ከምኡ’ውን ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ብሃማስ
ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሽፍን እዩ። ካብቶም ኣብቲ ክሲ ዝተጠቕሱ እቶም ሰለስተ ዝሞቱ እኳ እንተኾኑ፡ ሲንዋር ኣብ ትሕቲ ቓዛ
ኣብ ዝርከብ ታንከራት ተሓቢኡ ከምዘሎ እዩ ዝእመን።