ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–ነቲ ቀንዲ መጠን ወለዱ ትማል ሰሉስ ካብ ዝነበሮ 3.75% ናብ 3.5% ከምዘጉደሎ
ገሊጹ፡፡ ኣብ ለውጢ ትንበያ ድማ፡ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ንተወሳኺ ሰለስተ ሳዕ ምጉዳል ወለድ ክፉት ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። መጠን
ወለድ ሪክስባንክ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ 2.75% ክበጽሕ – እዚ ድማ ካብ መጀመርታ 2023 ጀሚሩ ዝወሓደ ደረጃ
ክኸውን እዩ ዝብል ትንበያታቱ ኣቐሚጡ’ሎ።
“ህሉው ክብሪ ዋጋታት ኣቕሑ እንተድኣ ከም ዘለዎ ቀጺሉ፡ እቲ መጠን ኣብዚ ዓመት ተወሳኺ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ክወርድ
ይኽእል’ዩ” ክብል እቲ ባንክ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጽሒፉ’ሎ