ሽወደናዊ-ደንማርካዊ ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራስሙስ ፓሉዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ማሕበረሰብ ሽወደን ናዕቢ ብምልዕዓል ንብምፍጻም፡ ከምኡ’ውን ንሓደ ውልቀ-ሰብ ብሕብሪ ቆርበቱ ወይ ሃገራዊ ወይ ዓሌታዊ ውርሻኡ ብምቊሻሽ ተኸሲሱ። ኣብቲ ኣብ 2022 ዝተላዕለ ናይ ቪድዮ ምስሊ ፓሉዳን ንሓደ ኣፍሪቃዊ “ዓድኻ ኪድ፥ ሽወደን ናይ ጸለምቲ ኣይኮነትን፥ ሽወደናዊ ዜጋ ክኸውን እየ ኢልካ’ውን ኣይትሕሰብ፥ ኣፍሪቃውያን ቦትኦም ኣፍሪቃ እምበር ሽወደን ኣይኮነን” ክብሎ ይረአ እዩ። እቲ ዝተባህለ ገበናት ኣብ 2022 ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ማልሞ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ን ማሕበረሰብ ሙስሊም ሸወደን ከንቋሽሽን ንቊርኣን እውን ከራኽስን ከም ዝተራእየ ክሲታት ቀሪቡሉ እዩ።
ፓሉዳን ነቲ ክሲ ኣይወዓልኲዎን ሓሶት እዩ ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ክህብ ጸኒሑ’ሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ክሲ ንምቕራብ ክልተ ዓመት ክወስድ ዘይተለምደ እዩ — ሕጂ ኣኽበርቲ ሕጊ ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ምኽንያት ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣድርያን ካምብዮሆግ ፓሉዳን ቃለመሕትት ክገብረሉ እኳ እንተደለየ፥ ፓሉዳን ውሕስነቱ ብምምኽናይ ክኣቢ ምጽንሑ፥ ድሒሩ ግና ዓሚ ኣብ ደንማርክ ነቲ ቃለመሕትት ክገብርዎ ፕሮግራም ምሓዞም፥ እንተኾነ ግና ጠበቓ ፓሉዳን ኣብቲ ቦታ ብዘይምንባሩ እቲ መደብ ከም እተወዘፈ ይገልጽ። በዚ ድማ እቲ ክሲ ክናዋሕን ክውዘፍን ጸኒሑ ዝሓለፈ ሰሙን ብቕጥዒ ምጅማሩ–ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።
ብኻልእ ዜና ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ማልሞ ኣብ ዝተቓጸለት መኪና ሞይቶም ዝተረኽቡ ክልተ ሰባት፡ ደሃዮም ዝጠፍኡ ዜጋታት ብሪጣንያ እዮም ተባሂሉ። ነዚ ዝሓበረ መግለጺ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ኮይኑ፡ ስድራ ግዳያት እዚ ትራጀዲ ምኽሳቱ ከምዝተሓበሮም ይገልጽ። እቲ መርመራ ምስ ሰብመዚ ብሪጣንያ ብምትሕብባር ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ፖሊስ ግን ምስዚ ክስተት ብዝተኣሳሰር ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎ ሰብ የለን።