ኣብ ቊጥባ ሽወደን ዝተኸስተ ምንቁልቋል ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ምዃኑ ሽወደናዊ ኢንስቲትዩት ቁጠባዊ ምርምር ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ቀመር ናይቲ ትካል ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቕባበ ኣቕሑ ኣብ 1.8 ሚእታዊት እኳ እንተሃለወ፡ ስድራቤታት ሽወደን ግን ገና ቆጢቦም የህልኹ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ቊጠባዊ ኲነታት ብፍላይ ንገለ ክፋላት ሕብረተሰብ ፍሉይ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኣካውና ከዘውትሩ ይቕስብ ኣሎ። ሳይሞን ዝተባህለ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ተማሃራይ፡ ብምኽንያት ምንቊልቋል ቊጠባ ዕድጊታቱ ብጥንቃቐ ከም ዘካውን ይዛረብ።
”ሓደ ነገር ክገዝእ ከለኹ ንነዊሕ እዋን ዝጥቀመሉ ድዩስ ግዜያዊ እዩ ኢለ ክሓስብ እየ ዝፍትን” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።