ቁጽሪ ናይቶም ካብ ኣባይቶም ዝባረሩ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ሃገራዊ ትካል ምኽፋል ዕዳ ክሮኖፎግደን ሓቢሩ ። ካብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ዝተረኽበ ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን ልዕሊ 188 ቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ካብ ገዝኦም ክወጹ ተጌሮም ኣለዉ። ብድምር 342 ህጻናት ወለዶም ምብራሮም ድማ ሃስያ ክወርዶም ምኽንያት ምዃኑ ተመልኪቱ
ሽወደናውያን ኣስራሕቲ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝቖጽሩሉ እዋን ካብ ቤተ-መዝገብ ሕሉፍ ገበናዊ ንጥፈታት ሓታቲ እቱው ክግበር፡ ይጠልቡ ብምህላዎም ሓያሎ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ስክፍታኦ ገሊጾም። ምስ ፋይናንሳዊ፣ ሕጋውን ትምህርታውን ሓበሬታ ብዝተኣሳሰር ድሕረ ባይታ ኣመልከትቲ ምፍታሽ እውን እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።
ፓራኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ሰለስተ መዳልያ ጥራይ ሒዛ ናብ ዓዳ ትምለስ ኣላ። ሓላፊ ልኡኽ ሽወደን ኒክላስ ግሮን ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ተጻወትቲ ስክፍታ ከም ዝጸንሖ ገሊጹ’ሎ። ሽወደን ዝያዳ መዳልያታት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ክትዓትር እንተደልያ ናብ ስፖርት ዝያዳ ጸጋታት ፈሰስ ክግበር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ’ሎ