ሓካይም ንሕሙማት ሓናት ማለት ንባክተርያ ስትረፕ ኤ ኣብ ምምርማር — ድሕሪኡ ድማ ብፔኒሲሊን ኣብ ምሕካም ዝያዳ ለጋሳት ክኾኑ ከም ዝደሊ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ። እዚ ድማ ብ ጉጅለ ባክቲርያ ኤ ስትረፕ ዝመጽእ ረኽሲ ንምክልኻል ዝዓለመ ኮይኑ፡ እዚ ባክቲርያ ከም ሴፕሲስ፡ ቶክሲክ ሾክ ሲንድሮምን ኔክሮታይዚንግ ፋሲይቲስን ዝኣመሰሉ ቀተልቲ ሕማማት ከስዕብ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ እናኾነ “ሕጂ ዘለና ቁጽሪ ሕሙማት ሓናት ልዑል እዩ” ክብል ኣብ መንግስቲ ሽወደን ክኢላን ተጸዋዒን ሕማማት ለበዳ ማግኑስ ጊስለን ገሊጹ’ሎ።