ማእከላይ ባንክ ሽወደን–“ሪክስባንክ”– ንመጠን ቀንዲ ወለዱ ብርብዒ ሚእታዊት ናብ 3.25% ከም ዘጒደሎ ብቕድሚ
ትማል ረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ባንክ ትማል ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ‘ህሉው ዝቕባበን ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ከም ዘለዎ ‘
እንተድኣ ቀጺሉ’፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ተወሳኺ ክልተ ምጉዳላት ወለድ ከምዝግበር ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡
ማእከላይ ባንክ ቀንዲ ወለዱ ካብ 3.75% ናብ 3.5% ከም ዘውረዶ ዝፍለጥ እዩ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ኣስታት 200 ህጻናት ንሕማም ቲቢ ከይህልዎም ክምርመሩ እዮም። ገለ ካብኣቶም ድማ
መከላኸሊ ጸረ-ተሃዋስያን ክወስዱ እዮም። እዚ ስጉምትታት ዝውሰድ ዘሎ፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሕ ሰብ ብሕማም ዓሶ ከም
እተለኽፈ ድህሪ ዝወጸ ሓበሬታ እዩ ክትብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ’ላ።
Related Stories
October 16, 2024
October 16, 2024