መራሕቲ ቬትናምን ሩስያን ኣብ ርእሰ ከተማ ቬትናም ሃኖይ ድሕሪ ምርኻብ ዝምድናኦም ከዕብዩ ከምዝደልዩ ገሊጾም። ፕረዚደንት ቬትናም ቶ ላም ንሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ብምምራጹ ሞጊስዎ’ሎ። ፑቲን ብወገኑ ምስዛ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ እትርከብ ሃገር ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ምሕያል ሓደ ካብ ቀዳምነታት ሃገሩ ምዃኑ ገሊጹ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝገበሮ ዑደት ናብ ቬትናም ዝገበሮ ጉዕዞ፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዞባ እትረኽቦ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ዘርኢ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ’ለዉ።
ኣሜሪካ ነቲ ዑደት፥ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬን ዝገብሮ ዘሎ ወራር ከስፍሕ መድረኽ ዝሃበ ብምባል ነቒፋቶ’ላ። ቬትናም ምስ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ትሰርሕ እኳ እንተላ ምስ ሩስያ ዘለዋ ታሪኻዊ ርክብ ክሳብ ሕጂ ኣኽቢራ ትርእዮ።
ኣብ ልዕሊ ንእሽቶ መናፈሻ ሃኖይ ዝርከብ ሓሙሽተ ሜትሮ ዝቑመቱ ሓወልቲ ለኒን፡ ቬትናም ነቲ ሩስያዊ ሰውራዊ ዘለአዋ ኣኽብሮት ዝገልጽ እዩ። ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ልደት ለኒን ልኡኽ ላዕለዎት ሰበስልጣን ቬትናም ብኽብሪ ዕምባባታት የንብሩን ኣኽብሮቶም ይገልጹን እዮም። እቲ ሓወልቲ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ሩስያ ዝቐረበ ህያብ እዩ። ቬትናም ምስ ሩስያ ዘለዋ ቅርበት ሰረት ዘለዎን ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐን ኮይኑ፡ ሕብረት ሶቭየት ነታ ኣብ 1950ታት ሓዳስ ኮሚኒስታዊት ሃገር ዝኾነት ሰሜን ቬትናም ዝሃበቶ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ተዘካሪ እዩ።
ቬትናም ዝምድና ክልቲአን ሃገራት “ብተኣማንነትን ምስጋናን ዝተመልአ” ክትብል ገሊጻቶ። ቬትናም ኣረሜናዊ ስርዓት ክመር ሩጅ ካብ ስልጣን ንምዕላው ኣብ 1978 ንካምቦድያ ምስ ወረረት፡ ብቻይናን ምዕራባውያንን ተነጽሎን እገዳ ስለ እተገብረላ፡ ኣብ ሓገዝ ሶቭየት ኣዝያ ክትጽጋዕ ኮይና እያ። ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ቬትናማውያን፡ እንተላይ እቲ ሓያል ዋና ጸሓፊ ኮሚኒስታዊ ሰልፊ ንጉየን ፉ ትሮንግ፡ ኣብ ሩስያ ዝተማህሩ ኮይኖም ቋንቋ ሩስኪ ኣጸቢቖም ዝመልኩ እዮም።