ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብኒዩክለራዊ ኣጽዋር ትድገፍ ዘይኒዩክለራዊት ሃገር ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝፍጸም መጥቃዕቲ
ከም “ሓባራዊ መጥቃዕቲ” ክትቆጽሮ ምዃና ገሊጻ። እዚ ድማ ኣብ ኲናት ዩክሬን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ከገድድ
ከምዝኽእል ኣተሃሳሲቡ’ሎ። ፑቲን ዝሓለፈ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ኣገዳሲ መደረ፡ መንግስቱ ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር
ክትጥቀመሉ እትኽእለሉ ሕግታትን ቅድመ ኩነታትን ንምቕያር ኣንቂዱ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። ዩክሬን ካብ ኣሜሪካን ካልኦት
ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራትን ወተሃደራዊ ደገፍ እትረክብ ኒዩክለራዊት ዘይኮነት ሃገር እያ። ነዚ ዝገለጸ፡ ኪየቭ ኣብ ሩስያ
ወተሃደራዊ ዕላማት ንምጥቃዕ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ክትጥቀም ፍቓድ ምዕራባውያን ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን’ዩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ብምጒዓዝ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን
ክራኸብ ምዃኑን፡ ሕቶ ኪየቭ ከኣ ላዕለዋይ ኣጀንዳ ክኸውን ትጽቢት ከም ዝግበር እዩ ዝሕበር ዘሎ። ዩክሬን ኣብዚ ዓመት ናብ
መሬት ሩስያ ደፊኣ ብምእታው፡ ኣብ መሬት ሩስያ ዝርከቡ ናብ ዩክሬን ሚሳይላት ዝውንቸፈሎም ዒላማታት ከተጥቅዕ ከም እትደሊ
እያ ትገልጽ። ሓላፊ ስታፍ ዘለንስኪ ኣንድሪ የርማክ ንቃላት ፑቲን መልሲ ሂቡሉ፡፡ ሩስያ “ድሕሪ ሕጂ ንዓለም ንምፍርራሕ ብዘይካ
ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ካልእ ካልእ የብላን” ኢሉ። ፑቲን ቅድሚ ሕጂ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም ምዃኑ ንምዕራባውያን
መሻርኽቲ ዩክሬይን ምፍርራሁ ዝዝከር እዩ። መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ቻይና እውን ኢ ወጥሪ ክሃድእ ዝጸውዐት ኮይና፣ ፕረዚደንት እታ
ሃገር ሺ ጂንፒንግ ንፑቲን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይጥቀም ከምዘጠንቀቖ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ግን፡ ፑቲን ምስ
ባይቶ ጸጥታኡ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ነቲ ዝቐረበ ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣዊጁ’ሎ። ሓድሽ ኒዩክለራዊ ዶክትሪን “ሩስያ ናብ
ምጥቃም ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንኽትሰጋገር ቅድመ ኩነት ብንጹር ከቐምጥ’ዩ” ክብል ድማ ብትሪ ኣጠንቂቑ’ሎ።