ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ 2022 ካብ ዝምረጹ ንደሓር ዝዓበየ ተቓውሞ ድሕሪ ምግጣሙ ነቲ ጸቕጢ ምድንናኡ ይግለጽ ኣሎ።ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ድሕሪ’ቲ ትማል ሰሉስ ባይቶ እታ ሃገር ብሓቂ ዘቃጸለ ብርቱዕ ተቓውሞታት ነቲ ኣካታዒ ወሰኽ ግብሪ ዝሓዘ እማመ ፋይናንስ ክስሕቦ ተቐሲቡ’ሎ። ንሱ ንህዝቢ ኬንያ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኬንያውያን ነቲ እማመ “ከም ዘይድግፍዎ” ንጹር ምዃኑ ገሊጹ።
ኣነ’ውን ዝበልኲሞ ክፍጽም እየ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ እማመ ፈጻሚ ፌርማ ከም ዘየንብረሉ ገሊጹ። ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብመንግስቲ ዝምወል ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ (KNHRC) ሓቢሩ’ሎ። ሩቶ ሕጂ ምስቶም ኣብ 2022 ካብ ዝምረጹ ንደሓር ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ዓበይቲ ተቓውሞታት ዝመርሑ መንእሰያት ናብ ዘተ ክኣቱ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።