ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ንሓደ ላዕለዋይ ጀነራሉ ካብ ስልጣኑ ምብራሩ ትማሊ ሰኑይ ለይቲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ ኣፍሊጡ። ሌተናል ጀነራል ዩሪ ሶዶል ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣዛዚ ጥሙር ሰራዊት ዩክሬን ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ።
ኣብ ክንድኡ ብርጋዴር ጀነራል ኣንድሪይ ህናቶቭ ተመዚዙ’ሎ። ቅድሚ ገለ ሰዓታት ሓላፊ ስታፍ ብርጌድ ኣዞቭ ሜጀር ቦህዳን ክሮተቪች፡ ጀነራል ሶዶል “ካብ ዝኾነ ሩስያዊ ጀነራል ብዝበዝሕ ወተሃደራት ዩክሬን ክቕተሉ ምኽንያት ምዃኑ” ብምግላጽ ናብ ቢሮ መርመራ እታ ሃገር ጥርዓን ኣቕሪቡ እዩ። ሜጀር ክሮተቪች ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ፡ ጀነራል ሶዶል “ምኽንያት ምኽሳር ዞባታትን ዓሰርተታት ከተማታት ይዂን ምጥፋእ ኣሽሓት ወተሃደራትን ዝምልከት መርመራ ኣይክግበረሉን እዩ” ኢሉ’ሎ።
ሜጀር ክሮተቪች ኣብ ቴሌግራም ዝጸሓፎ ጽሑፍ ልዕሊ 800 ሽሕ ግዜ ተራእዩ’ሎ። ንሱ ንሽመት ጀነራል ህናቶቭ ኣምልኪቱ “ኣዝዩ ብቑዕ መኮነን” ምዃኑ ናእዳኡ ገሊጹ’ሎ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ዘካየደቶ ኣጠቓላሊ ወራር፡ ጀነራል ሶዶል ኣብ ምክልኻል ከተማ ማሪዩፖልን ኣብ ጥቓ ምብራቓዊት ከተማ ዩክሬን ቮልኖቫካ ኣብ ዝተኻየደ ውግኣትን ተሳቲፉ እዩ። ክልቲኡ ቦታታት ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ እዩ ዝርከብ። ጀነራል ሶዶል ካብ ለካቲት 2024 ጀሚሩ ኣዛዚ ሓባራዊ ሓይሊ ክኸውን እንከሎ፡ ኦሌክሳንድር ሲርስኪ ዋና ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይልታት ኮይኑ ተመዚዙ እዩ።