ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ካብ ውድድር ቀጻሊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምውጻእ ዝወሰዶ ውሳነ ከምዘኽብሮ ገሊጹ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ነበር ከምኡ’ውን ሓላፊት ተቓዋሚ ሰልፊ ማህበራዊ ዴሞክራሲ ዝኾነት ማግዳሌና ኣንደርሾን ብወገና ንባይደን ”ሓያልን ርእሰ ምትእምማን ዝመልኦን” መራሒ ክትብል ናእዳኣ ገሊጻትሉ’ላ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊኒየስ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ዘተኮረ መጽናዕቲታት እተካይድ ኤማ ሪክነል “ሽወደን ናብ ኔቶ ንምእታው ዝነበረ መስርሕ ኣዝዩ ነዊሕን ዝተሓላለኸን እኳ እንተነበረ፡ ኣመሪካ ግን ማዕረ ማዕረ እዚ ዕንቅፋታት ከየባተኸት ኣብ ጎኒ ሽወደን እያ ነይራ” ትብል