ፖሊስ ሽወደን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ከፍጽሙ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብስግኣት ብዛዕባ ዝጥመቱ ህጻናትን መንእሰያትን ይብዛሕ ይውሓድ ዳርጋ መዓልታዊ ሓበሬታ ከም ዝመጾም ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበረ ኣብ ፍጸምቲ ጎነጽን ጥሩፋትን ብምትኳር ኣብ ምዕራባዊ ሽወደን ዝዓዪ ኣወሃሃዲ ስርሒታት ፖሊስ ኣንደርሽ ሳልስበርን እዩ። እቲ ዝረኽብዎ ሓበሬታ ሓደ ሓደ ግዜ ብቕጽበት ዘይረአ እኳ እንተኾነ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ቀጥታዊ ምትእትታው’ውን ንኽግበር ክቕስብ ይኽእል’ዩ ክብል ሳልስበርን ገሊጹ’ሎ።
እዚ እናኾነ ሰልፊ ጸጋም ኣብ መወዳእታ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤውሮጳውያን ዘይኮኑ መራጽቲ 20% ድምጺ ከምዝረኸበ ቴሌቪዥን ሽወደን SVT ኣብ ዘውጽኢ ናይ መሰናበቲ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ሄንሪክ ኤከንግሪ ኦስካርሰን፡ እዚ ተርእዮ እቲ ሰልፊ ንፍልስጤም ዝገብሮ ደገፍ ምኽንያት ብብምግባር ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምን፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ውድብ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ቦታታት ንጡፍ ምንባሩ እዩ ዝኣምን።
“ፖለቲከኛታት ነቲ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ጒዳይ ኣርእስቲ ዘይምግባሮም ፍትሓዊ ኣይመስለንን” ክብል ዓሊ ካብ ስኪፍቲንገ እስኪልስቱና ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።