ፈረንሳዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኪልያን ምባፐ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ስቶክሆልም ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት፡ ጾታዊ ዓመጽን
ትንኮያን ፈጺሙ ክከውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጠርጠራ ብፖሊስ ሽወደን ይምርመር ከምዘሎ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ሓቢራ።
ኣጥቃዓይ ሮያል ማድሪድ ዝኾነ ምባፐ ኣብ ማዕከናት ዜና ዝጋዋሕ ዘሎ ክስታት ብምንጻግ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ‘ናይ
ሓሶት ዜና እዩ’ ክብል ኣዋዲቕዎ’ሎ። ነቲ ክስታት ዝምርምር ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ፡ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ
ዝርከብ ሆቴል ገበን ከምዝተፈጸመ ምርግጋጹ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።