ፖሊስ ሽወደን ኣብዚ ዓመት ናይ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሮና ሕጽረት ባጀት ከጋጥሞ ትጽቢት ከም ዝግበር ተሓቢሩ። በዚ ድማ ሃገራዊ በዓል መዚ ፖሊስ ኩሉ ዕቑር ህጹጽ ረድኤቱ ክጥቀመሉ ከድልዮ እዩ። እዚ በዓል መዚ ኣብ 2015 ካብ ዝምስረት ንደሓር ከምዚ ዝበለ ሕጽረት ጸጋታት ገንዘብ ከጋጥሞ እዚ ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ። ዳይረክተር ፋይናንስ ናይቲ በዓል መዚ ካሮሊን ቫይፐር፡ ፖሊስ ቁሩብ ቅልጡፍ ዕብየት ከምዘርኣየን፡ ሕጂ ድማ እዚ ንዝተወሰነ እዋን ምዝሕሓል ከምዘድልዮን ገሊጻ’ላ።