ፖሊስ ሽወደን ኣብ ኣብ ሰራሕተና ፋብሪካ ባትሪ ኖርዝቮልት ዘጋጠመ ራብዓይን ክሳብ ሕጂ ሚስጥሩ ዘይተፈትሐን ሞት ይምርምር ኣሎ። ኖርዝቮልት እቲ ፍጻመ ዘሕዝን ናይ ምጥሓል ሓደጋ ምንባሩ እዩ ዝገልጽ። ይኹን እምበር ፖሊስ ጠንቂ ሞት ገና ከምዘይተረጋገጸ እዮም ዝዛረቡ። ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ’ውን ሰለስተ ዘይተፈትሑ ሞት ሰራሕተኛታት ኖርዝቮልት ክምርምር ጸኒሑ’ሎ። ኣርባዕቲኦም ካብ ስራሕ ወጻኢ፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘጋጠሙ እዮም።
እዚ እናኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ሓደ ለይቲ ሓያሎ ተኹሲ ከም እተፈጸሙ ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም፡ ፖሊስ ኣብ ባጋርሞሰንን ጃርፋላን ድሕሪ ዝተፈጸመ ተኹሲ ኣመልኪቱ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሰሜን ኡፕሳላ–ቢዮርክሊንገ–ድሕሪ ዓቢ ስርሒት ፖሊስ ኣርባዕተ ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ። ፖሊስ፡ ኩሎም ብከቢድ ገበን ከምዝተጠርጠሩ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ደቡባዊ ሃላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ላሆልም እውን ተኹሲ ከምዘጋጠመን ሓደ ሰብ ምቊሳሉን ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ