ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከብ ቤላሩሳዊ ብቕድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ኖርወይ “ናይ ሓዊ ቦምባ” ዝበሎ ድሕሪ ምድርባይ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ፖሊስ ገሊጾም። እዚ ድራኸኡ ንጹር ዘይኮነ ሰብ በቲ ተግባራቱ ብዙሕ ጕድኣት ከውርድ ኣይከኣለን። መራሒ ስርሒታት ፖሊስ ኦስሎ ኣንደርሽ ሮኒንግ ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን ሓያሎ ፈሳሲ ዝመልአ ጥርሙዝ ሒዙ ምንባሩ፥ ዞም ፈሰስቲ ሕጂ ብጉጅለ ቦምባ ፖሊስ ክምርመሩ ምዃኖም” ን ገሊጹ።
እቲ ሰብኣይ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ዓረብያ ስንኩላን ተጠቒሙ ናብቲ ቤተ መንግስቲ ድሕሪ ምቕራብ ፥ ንሓደ ሓላፊ መገዲ ቦምባ ከም ዝሃዘ ከም ዝነገሮን፡ እቲ ሓላፊ መንገዲ ድማ ንፖሊስ ከም ዘጠንቀቖን ተፈሊጡ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ነቲ ፈሻሲ ዝሃዘ ባርዕ ጠርሙዝ ድሕሪት ሸነኽ እቲ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ማዕጾ ወርዊርዎ። እዚ ሃልሃልታን “ብዙሕ ትክን” ከም ዘልዓለ ካብ ክርስቲያንሳንድ ዝመጹ በጻሕቲ ዓዲ ይገልጹ።
ድራኸ ናይቲ ሰብኣይ ትማሊ ሶኑይ ድሕሪ ቀትሪ ንጹር ኣይኮነን፡፡ እቲ ብቤት ፍርዲ ዝተመዘዘ ጠበቓኡ ግን፡ ድሒሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተጠቀምቲ ዓረብያ ስንኩላን ናብ ዝደለይዎ ክበጽሑ ይሽገሩ ምህላዎም መግለጺ ክህብ ይፍትን ከምዘሎን፡ ነቲ ቤተ መንግስቲ ድማ “ካብ ተስፋ ምቑራጽ” ኣተላዕለ ከም ዘጥቅዖ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንመራሕቲ ኔቶ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ብሓያል መደረ ተቐቢልዎም። ንሱ ነዚ ተሪር መደረ ዘስምዐ ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ናይ ቀረባን መሻርኽቱ ንዝመጽእ ብድሆ ምርጫ ክቃለስ ከምዝኽእል ንምርግጋጽ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ገሊጾም ኣለዉ ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ ግን ከኣ ብትሪ መግለጺ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ተጸሚዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዋን “ካብ ዝኾነ እዋን ዝሓያል” ምዃኑ ገሊጹ። “ውልቀ መለኽቲ” ዓለማዊ ስርዓት ከምዝገልበጡ ብምዝኽኻር ከኣ ባይደን፡ ንኪየቭ ዝያዳ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ’ሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካን መራሕቲ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ሆላንድን ሮማንያን፡ ነቲ ኣብ መኸተ ዘሎ ምክልኻል ኣየር ዩክሬን ንምድልዳል፡ ባትሪ ሚሳይላት ፓትሪዮትን ካልኦት ስርዓታትን የወፍዩ ኣለዉ። ብሓፈሻ ኔቶ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓሙሽተ ስትራተጂካዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ዓሰርተታት ንኣሽቱ ስትራተጂካውያን ጸረ-ነፈርቲ ባትሪታትን ንምልጋስ መደብ ከምዘለዎ ዋይት ሃውስ ገሊጹ’ሎ።