ኣብ ዓለም ካብቶም ዝዓበዩ ውድድራት ህጻናትን መንእሰያትን ዝኾነ፡ ዓመታዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ኖርወይ ኦስሎ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ልዕሊ 30 ሽሕ መንእሰያት ተሳተፍቲ ዝካፈልዎ ጸወታታት ይዛዝም ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ጎደናታት ብሰንኪ ዝተፈጸመ ጎነጽ ጣልቃ ክኣትዉ ከም እተራእዩ ተፈሊጡ። ኣብ ሓደ ካብዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዋንጫ ኖርወይ ዘይተሳተፉ ጒጅለ መንእሰያት፡ ኣብ መንጎ ባይቶን ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲን ኣብ ዝርከብ ካርል ዮሃንስ ጌት፡ ንሰለስተ መንእሰያት ተሳተፍቲ ጨው ቀትሪ ክጨውዩ ምፍታኖም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። በዚ ጎነጽ ዝመልኦ ድራማ ሓደ መጒዳእቲ ክወርዶ ክኢሉ’ሎ። ፖሊስ ኣብዚ ሰሙን ብውሑዱ ካልኦት ሰለስተ ናይ ጭውያ ፈተነታት ምዕዛቦም ጸብጺቦም ኣለዉ። ክቡር ኣቕሓ ዘለዎም ንብረቶም ክምንዝዑ፡ ወይ’ውን ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ናብ ሕሳብ ገበነኛታት ገንዘብ ክልእኩ ይግበር ምህላዉ ፖሊስ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ጋዜጣ ኣፍተንፖስተን ብሰንበት ኣብ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣብ እዋን ዋንጫ ኖርወይ ዝተፈጸመ ገበን፡ ኣብ ኦስሎ ገበን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ኢላላ። እታ ጋዜጣ፡ “እዚ ንወለድን ቆልዑን ስግኣት ዝፈጥር እዩ፥ ክቕጽል ክፍቀደሉ የብሉን” ብምባል ኣተሓሳሲባ’ላ።