መንግስቲ ሽወደን ብመሰረት ዝተታተዎ ሓድሽ ናይ ሓገዝ እማመ፥ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብ ውጥን ዕዳጋ ሽቕለት ብዝሰለጠ ክኣትዉ ዘኽእል ኮይኑ፡ እዚ ድማ መዓልታዊ ኣበሎም ካብ 71 ናብ 308 ክሮና ክብ ከብል ዝግብር እዩ ተባሂሉ። እዚ ነቶም ኣብ ሽወደን ካብ ዓመት ንላዕሊ ዝጸንሑ ዝምልከት ምኾነ፣ ውልቃዊ መለለዪ ቁጽሪ ክረኽቡን ንገለ ክፋል ስርዓተ ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን ብቑዓት ክኾኑን ዝገብሮም እዩ። ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስቴነጋድ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ”ምሉእ ክንክን ጥዕና፡ ክንክን ስኒ፡ ከምኡ’ውን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ናይ ምውሳድ ተኽእሎ ክህልዎም እያ” ክትብል ገሊጻ’ላ።