ብዙሓት ስደተኛታት ብወለንታኦም ካብ ሽወደን ክወጹ ምግባር ንመንግስትን ዲሞክራስያውያን ሽወደንን ቀንዲ ዕላማኦም ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ግና ብኸፊል ነቶም ካብ ሽወደን ክወጹ ንዝመርጹ ዝወሃብ መጠን ገንዘብ ምውሳኽ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታት ዝረኣየ መንግስታዊ መርመራ እዚ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ግብረመልሱ ሂቡ’ሎ። እቲ ብመንግስቲ ዝተመዘዘ መርማሪ እቲ ጉድለታት ካብቲ ረብሓታት ብዝለዓለ ከም ዝውስኽ ይዛረብ። ይዂንምበር እቲ መርመራ እቲ ዝቐረበ መጠን ገንዘብ ብኸመይ ክውስኽ ከም ዘለዎ ዝኾነ ሓሳብ ኣየቕረበን
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝቕባበ ዋጋታት ቁሩብ ብምውሳኽ ናብ 1.7% ከምዝበጽሐ፥ ብቐዋሚ ወለድ ዘለዎ መዐቀኒ ዋጋ ሃለኽቲ (CPIF) ዝፍለጥ መዐየሪ ይሕብር። CPIF ዋጋታት ኣብ ኹሎም ፍርያት፥ ኣገልግሎታትን ኣባይቲን ክንደይ ከምዝወሰኸ ዘርኢ ኮይኑ፡ ልዑል መጠን ወለድ ኣብ ልቓሕ ትሕጃ ዘስዕቦ ጽልዋ ኣጉዲሉ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ነቲ ቀንዲ ወለዱ ብ 0.25% ክቕንሶ ትጽቢት ይግበር ክብል ሓላፊ ስነ-ቑጠባ ሬድዮ ሽወደን ክርስቲያን ኦስትሮም ገሊጹ’ሎ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ሽወደን ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ሶርያዊ ጀነራል ነበር፡ ቅድሚ ልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ዓዱ ኣብ ዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ተራ ተጻዊቱ ብምባል ኣልዒሉ ዝነበረ ክሲ ነጻ ከም ዝገበሮ ተሓቢሩ። ቤት ፍርዲ ዞባ ስቶክሆልም ዝሓለፈ ሓሙስ ውሳነኡ ኣብ ዘፍለጠሉ መግለጺ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ሰራዊት ሶርያ “ንሲቪላዊ ዕላማታት ዘይፈሊ መጥቃዕቲ” ክጥቀም እንከሎ፡ ዓቃቢ ሕጊ ግን ክፍለ ሰራዊት ብርጋዴር ጀነራል ነበር መሓመድ ሃሞ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፈ ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ብምግላጽ እዩ ብናጻ ፈንዩዎ ዘሎ።