መንግስቲ ኖርወይ ብከፈልቲ ግብሪ ዝምወል መንግስታዊ ቀብሪ ዝግብኦ መን ከምዝኸውን ይድርት ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ክብሪ ዝግብኦ መን እዩ ኣብ መምርሒታት ክህሉ ከምዘድሊ ምስትውዓሉ ገሊጹ’ሎ። ኖርወይ ኣብ ባህሊ እታ ሃገር ርኡይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰባት መንግስታዊ ቀብሪ (ብመንግስቲ ዝኽፈል) ትገብር ነይራ እያ። ንመብዛሕትኦም ኖርወጃውያን ድማ ብዙሕ ትርጉም ነይርዎ እዩ። ብዘይካ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤትን ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ግዝኣትን፡ ካብ ጸሓፊ ተዋስኦ ሄንሪክ ኢብሰን ክሳብ ቲ ኣንጻር ናትዚ ዝተቓለሰ ጉናር ስቶንስተቢ፡ ዳህሳሲ ቶር ሄየርዳልን ተዋሳኢት ወንቸ ፎስን ዝበጽሑ ሰባት ንቐብሮም ገንዘብ ከፊላ እያ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዛዕባ ገለ ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝተኻየዱ ቀብሪታትን ካልኦት ርሱን ክትዕ ኣለዓዒሉ’ሎ። ሕጂ ንጉሳውያን፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዘለዉ ኣባላት መንግስቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተራት ነበርን ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ጥራይ እዮም ብመንግስቲ ዝኽፈል ቀብሪ ብቑዓት ክኾኑ ዝኽእሉ። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ን ጋዜጣ ኣፍተንፖስተን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስታዊ ቀብሪ ዝግብኦን ዘይግብኦን ንምውሳን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎን፡ እቲ መስርሕ ዝያዳ ተገማቲን ፍትሓውን ንምግባር ሓድሽ ሕግታት ከምዘድሊ ገሊጹ’ሎ።
መንግስቲ ን ሃገራውያን ጀጋኑኡ ኣብ ሞቶም ኣኽብሮቱ ምሃብ ክቕጽል እዩ፣ እንተኾነ ግና እቲ ተሳትፎ ዕንበባ ብምልኣኽ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሳተፉ ብምልኣኽ ወይ ድማ ክምድሩ ኣብ ምግባር ጥራይ ክውሰን እዩ