መንግስቲ ኖርወይ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝምልከት ሕግታት ዑቕባን ኢሚግሬሽንን ንምጽናዕ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ካብ ተቓወምቲ
ውድባት ናእዳን ነቐፌታን ይውሕዘሉ ምህላዉ ተሓቢሩ። በቲ ውሳነ ገሊኦም “ክስንብዱ” እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ካብ “ውሑስ”
ከባቢታት ዩክሬይን ዝመጹ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝሓሸ እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ሚኒስተራት ፍትሕን ዕዮን ኖርወይ፡
መንግስቲ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ፡ ንኹሎም ዩክሬናውያን ሓባራዊ ሓለዋ ዝህብ ፖሊሲኡ ከምዘቋርጾ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ሕጂ ካብ
ሽዱሽተ ከባቢታት ምዕራብ ዩክሬን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ንኹሎም ናብ ኖርወይ ዝመጹ ስደተኛታት ዝምልከት “ተራ ሕጊ ዑቕባ”
ከማልኡ ከምዘድልዮም፥ ሚኒስተር ፍትሒ ኤሚሊ ኤንገር ሜህል ገሊጻ።
ሩስያ ብ24 ለካቲት 2022 ንዩክሬን ካብ እትወርር ንደሓር ልዕሊ 84 ሽሕ ዩክሬናውያን ናብ ኖርወይ ኣትዮም ኣለዉ። ኣስታት 82
ሽሕ ሓባራዊ ሓለዋ ዝተዋህቦም ክኾኑ እንከለዉ፥ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ 75,728 ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ተዋሂብዎም
እዩ። መብዛሕትኦም ብመደባት ምልላይን ጽዑቕ ስልጠና ቋንቋን ዝሓለፉ ኮይኖም፡ ልዕሊ ሲሶ ካብ ዩክሬናውያን ዓበይቲ
ስደተኛታት ሕጂ ኣብ ሽቕለት ይርከቡ’ለዉ።
ብኻልእ ዜና መራሒ ዓበይቲ ወነንቲ ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ እታ ሃገር ዝውክል ፈደረሽን ኖርወይ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ውሽጢ
ቁጠባዊ ዞባ ኖርወይ ኣብ ዘለዉ ምሩጻት መግፈፊ ዓሳ ወተሃደራዊ ልምምድ ንምክያድ ብዝወሰዶ ውሳነ ምሕዛኑ ገሊጹ። ኦድ
ክርስቲያን ዳህለ ካብ ፈደረሽን ፍስከባት ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ባሕሪ ባረንትስ እኹላት ቦታታ
እናሃለዉ እዮም ኣብዞም ቦታታት ክለማመዱ ወሲኖም ዘለዉ” ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓንቲ መርከብ ውግእ ሩስያ ኣብ ሰሜን ቫርዶ ኣብ እትርከብ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ኖርወይ ናይ መጠንቀቕታ ተኹሲ
ከምዝተኮሰት፡ ብድሕሪኡ ካብቲ ከባቢ ከም ዝገፍዓታን ዝዝከር እዩ።
ካብ ዜናታት ኖርወይ ከይወጻእና—-ኣብ ሰሜናዊ ጠረፍ ዶብ ኖርወይን ሩስያን ቀጻሊ ምክትታል ይግበር ኣሎ፡፡ ዛጊት ግና ዝኾነ
ኣካላዊ መካለሊ ዶብ የለን። ሩስያ ን ኖርወይ ልዑል ስግኣት ጸጥታ ኮይና ብምህላዋ፡ ስደተኛታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምልኣኽ
ከኣ ተወሳኺ ሕማም ርእሲ ሃገራት ኖርዲክ ኮይና ብምህላዋ እዚ እዚ ኲነታት ክቕየር ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኖርወይ ምስ ሩስያ ኣብ ዘራኽቦ ዶባት ልዑል ሓጹር ንምስራሕ መደብ ሰሪዑ’ሎ። ሚኒስተር ፍትሒ
ኤሚሊ ኤንገር ሜህል ኣብነት ፊንላንድ ብምኽታም ነዚ ከተዳሉ ትቀራረብ ምህላዋ እዩ ዝግለጽ። እዚ ሓጹራት ብነዋሕቲ ናይ
ዕንጸይቲ ሓጹር ዝቐውም ኮይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ወይ ነገር እንተቐሪቡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዝገብሩ ሴንሰራት ዝማልአ እዩ።