ኖርወይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ሩስያን መሻርኽቲ ሃገራት ኔቶን ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝተኻየደ ዝዓበየ ናይ ሰለይቲ ምልውዋጥ ኣካዪዳ። እቲ ምልውዋጥ ሰለይቲ ዝተባህሉ ሰባት ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ብኸመይ ከምዝተፈጸመ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ይቕልቀል ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃታት መንግስቲ፡ ልዝብ ክካየድ ምጽንሑ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ኖርወይ ገሊጻ’ላ።
ኖርወይ ኣብ ጽድያ 2022 ኣብ ሰሜናዊ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ትሮምሶ ንሓደ ሩስያዊ ተመራማሪ ብምእሳር ነዚ ምጅማራ ኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (NRK) ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ’ሎ። እቲ ተመራማሪ ሕጂ ሓቀኛ ስሙ ሚካኤል ሚኩሺን ምዃኑ ምርግጋጹ፡ ምስቶም ካልኦት ሸሞንተ ብስለያ ዝተጠርጠሩ ሩስያውያን. ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሞስኮ ተመሊሱ’ሎ። ንሱ ንዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክነብር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ትሮምሶ ኣብ ዝርከብ “ዩኒቨርሲቲ ኣርክቲክ ኖርወይ” ከም ብራዚላዊ ተመሲሉ ስለያዊ ስርሓት ከካይድ ጸኒሑ ተባሂሉ’ሎ።