ኲናት ኣብ ኤውሮጳ፡ ዲጂታላዊ ስግኣታትን ለውጢ ክሊማን፡ ሰብመዚ ኖርወይ መምርሒታት ድልውነት ቅልውላው ከስፍሑን ምስ
ሕብረት ኤውሮጳ ብዝያዳ ክተሓባበሩን ደሪኽዎም ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ሰብ ብዘይ ማይ፡ ኤሌክትሪክ፡ ዲጂታላዊ
መራኸቢታትን ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓተ ክፍሊትን እንተወሓደ ንሸውዓተ መዓልታት ክነብር ክኽእል ኣለዎ። እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ
ዝነበረ መምርሒ ድልውነት ዝልዕል እዩ፡፡ ኖርወጃውያን ንሰለስተ መዓልታት ዝኸውን እኹል መግቢ፡ መስተን ህጹጽ ቀረብን
ክህልዎም ድማ መኺሩ’ሎ። ትካል ሲቪላዊ ምክልኻልን ድልውነትን ኖርወይ DSB ኩሉ ሰብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንዝጸንሕ
ቕልውላው ድሉው ክኸውን ተላብዩ’ሎ።
ዲኤስቢ፡ “ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዘይምቹእ ኣብ ዝኸውን ዓለም ኢና እንነብር ዘለና” ብምባል የጠንቅቕ። “ዋላ’ውን ኣብ ኖርወይ
ዝበዝሑ ነገራት ከምቲ ንቡር ብጽቡቕ ይሰርሑ እንተለዉ፡ ንጽንኩር ኩነታት ኣየር፡ ለበዳታት፡ ሓደጋታት፡ እገዳን ኲናትን ክንዳሎ
ኣለና” ኢሉ’ሎ። እዚ መጠንቀቕታታት ዝወጽእ ዘሎ ኖርወይ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ናይ ጸጥታን ምክልኻልን ምትሕብባር
ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እዩ። ሚኒስተር ምክልኻል ኖርወይ ቢዮን ኣሪልድ ግራም ንሰልፊ ማእከል ዝውክል ብምዃኑ እዚ
ኣገዳሲ’ዩ። እዛ ሰልፊ ንኣባልነት ኖርወይ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ብጽኑዕ ክትቃወም ዝጸንሐት ኮይና፡
ድሌታት ምክልኻል እታ ሃገር ብኔቶ ኣቢላ ክትማላእ እያ ትጽዕር። ዝሓለፈ ሰሉስ ግራምን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ዕዮ
ኤስፐን ባርት ኤደንን ኣብ ብራስለስ ምስ ሓላፊ ምክልኻል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፕ ቦረል ተራኺቦም እዮም። ብድሕሪኡ ኣብ
ዝከተምዎ ናይ ምሕዝነት ስምምዕ “ውሕስነትን ድሕነትን ንሓድሕዱ ዝምርኮስ እዩ ኢሎም ኣለዉ።
እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ንፓኬጅ ናይቲ ንዩክሬይን ንምድጋፍ ዝጸንሐ ምትሕብባርን ክልቲኦም ሕብረት ኤውሮጳን ኖርወይን፡ ምሕያል
ወሳኒ ትሕተ-ቅርጺ፡ ዳህሳስ ጠፈር፡ ድሕነት ሳይበርን ምትሕውዋስ ስግኣታት ብኸመይ ክሕዙ ከም ዘለዎምን ብዝምልከት ዝያዳ
ዝደልዩሉ መዳያት ዘረጋግጽ እዩ ክትብል ጋዜጣ ኣፍተንፖስተን ጸብጺባ’ላ። እቲ ብሓፈሻ ጸረ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ማእከላይ
ሰልፊ ከይተረፈ፡ ኖርወይ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ክታበት ንምውሓስ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ (ብሽወደን ኣቢላ ዝረኸበቶ)
ሓገዝ ከምዘድልያ ክእመን ተገዲዱ እዩ። ተቓወምቲ ውድባት ባይቶ ብፍላይ ድማ ሰልፊ ሊበራል ንመንግስቲ ማእከል ዕዮ ምስ
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ስምምዕ ጸጥታ ዝገብሮ ዘተ ከስፍሕ ደሪኾምዎ ኣለዉ።
ጎረቤት ሃገር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምውራራ ንኖርወይ ናብ ሓድሽ ክውንነት ኣእትይዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት
ኣመሪካ ኮይኑ ናይ ምምላስ ተስፋ ኣድላይነት መፍትሒታትን ምትሕብባርን ኤውሮጳ ክውስኽ ደሪኹ’ሎ። ሚኒስተር ምክልኻል
ግራም ክሳብ ሕጂ ኔቶ ኣብ ምክልኻል ኖርወይ ኣገዳሲ ረቛሒ ኮይኑ ከምዝቕጽል ኣጒሊሑ’ሎ። “ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሕብረት
ኤውሮጳ ኔቶ ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ተበግሶ ይወስድ ኣሎ” ኢሉ።