ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ድኳናት፡ ቤት መግቢ፡ ሳሎን ስነጽባቐ፡ ሲነማታትን ካልኦት ትካላት ችርቻሮን፡ ካብ ብቕድሚ ትማል ሰሉስ
ኣትሒዞም ዳግማይ ጥረ ገንዘብ ከም ክፍሊት ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ምቕባል ምጅማረን ተገሊጹ። በዚ ድማ ዓማዊል ኣብ
ክንዲ ካርድ ባንክ ወይ ካልእ ዲጂታላዊ ኣገባብ ክፍሊት ዝጥቀሙ፡ ብጥረ ገንዘብ ናይ ምኽፋል መሰሎም ዘነጽር ሓድሽ ሕጊ ኣብ
ግብሪ ዘረጋግጽ እዩ ይበሃል ኣሎ።
ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኖርወይ ኣብ ትካላት ሸቐጥ ዓማዊል ወትሩ ብጥረ ገንዘብ ክኸፍሉ መሰልኳ እንተለዎም፡ ብግብሪ ግን
ከምዘይተተግበረ ኣስሚሩሉ። ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ንውሕስነት ወይ ካልእ ምኽንያት ጥረ ገንዘብ ምቕባል ዝኣበዩ
ቸርቸርቲ እናበዝሑ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ካብ ብቕድሚ ትማል ባሕቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ እዚ ዘይገብሩ ብመቕጻዕቲ ወይ ካልእ
እገዳ ክሕተቱ እዮም። ሚኒስተር ፍትሒ ኤሚሊ ኤንገር ሜህል፡ “እቲ ሕጊ እብታይ ብድሆታት ከም ዘለዎ ዘርኢ ኣብነታት በብእዋኑ
ክንርኢ ክኢላና ኣለና፥ ዓማዊል ብጥረ ገንዘብ ናይ ምኽፋል መሰሎም ምሕያል ኣድላይነቱ ንጹር እዩ” ድማ ትብል። እቲ ሕጋዊ
መብርሂ ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ድምጺ ድጋፍ ረኺቡ እዩ። ክሳብ ሕጂ ክሳብ 600 ሽሕ ኖርወጃውያን ዲጂታላውያን ስለዘይኮኑ ወይ
ድማ ንባጀት ወይ ካልእ ምኽንያታት፡ እንተላይ ንብሕትውና ብጥረ ገንዘብ ክኸፍሉ ስለዝመርጹ እዚ ምኽንያታዊ እዩ። ብፍላይ እቲ
ዓሚል ቅብሊት እንተዘይረኺቡ፡ ከምኡ’ውን ገለ ሰባት ቁጽሪ ሕሳቦም ምስ ኩሉ ዝገዝእዎ ክተሓሓዝ እንተዘይደልዩ፡ ብቐጻሊ ናይ
ክረዲት- ወይ ደቢት ካርድ ወይ ካልእ ናይ ክፍሊት መፍትሒታት ብምጥቃም ንኹሉ ወጻኢታት ክትከታተሎ ከቢድ ክኸውን ይኽእል
እዩ።