ምስፋን ሕግን ስርዓትን ንመረጽቲ ሽወደን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ምዃኑ፡ ትካል ምርጫ “ኢንዲካተር” ብስም ሬድዮ ኒውስ ሽወደን
ድሕሪ ዝገበሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ዳርጋ ካብ ኣርባዕተ መራጽቲ ሓደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ
ኢንዲካተር፡ ሕግን ስርዓትን ከም ቀንዲ ስክፍታኦም ምስምዖም እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ። መብዛሕትኦም መልሲ ዝሃቡ
ሰባት፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ሰልፍታት ሞደራትናን ዴሞክራትናን ሽወደንን ዝበለጹ ፖሊሲታት ኣለዎም ኢሎም ከም ዝኣምኑ እቶም
ካልኦት ተቓወምቲ ግን ኣብ ክንክን ጥዕናን ኣከባብን ዝሓሸ ፖሊሲታት ኣለዎም ኢሎም ይሓስቡ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ነቲ
መጽናዕቲ ምንጪ ብምግባር ጸብጺባ’ላ