ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኖቤል፥ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ንሓድሽ ኣገባብ ፍወሳ መንሽሮ ዝተገብረ ዳህሳስ ፍሉይ ኣቓልቦ
ረኺቡ’ሎ። እዚ ኣገባብ ፍወሳ ካብቲ ዝጸንሐ ንዋህዮታት መንሽሮ ዕላም ዝገብር ኣገባብ ሕክምና ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ነቲ
መንሽሮ ንኽቃለሶ ኣብ ስርዓተ ምክልኻል እቲ ሰብ ብኣገለልጻ እቶም ሰብ ሞያ–ፍሬኖ–ዝፍኑ ኣገባብ እዩ። ኣመሪካዊ ጀምስ
ኣሊሰንን ጃፓናዊ ታሱኩ ሆንጆን ብሓባር ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ንመንሽሮ ንምምካት ብኸመይ ከም
ዝጥቀመሉ ብዝምልከት ሓድሽ—ግራውንድ ብሬኪንግ—ምርምርን ዳህሳስን ብምግባሮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ኣለዉ።
ሬድዮ ሽወደን እዚ ኣገባብ ከመይ ከም ዝሰርሕ ንምፍላጥ፡ ኣብ ካሮሊንስካ ኢንስቲትዩት ፕሮፌሰር ሞለኪዩላዊ ኢምዩኖሎጂን ኣባል
ናይ ሎሚ ዓመት ኮሚተ ኖቤልን ክላስ ካረ ቃለ መሕትት ካዪዳትሉ ኣላ።