ንሰብ ዘጥቅዕ ቫይረስ ፓፒሎማ ወይ ኤች.ፒ.ቪ፡ ኣብ ኣካላት መፍረ ቁስሊን መንሽሮን ከስዕብ ምዃኑ እናተፈልጠ ኣብ ሽወደን ካብ 10 መንእሰያት ሓደ ጥራይ ተኸቲቡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ነዚ ዝገለጸ ክንፊ መንእሰያት ናይቲ ንመንእሰያት ክልቲኡ ጾታታት ብነጻ ክታበት ኤችፒቪ ክወሃብ ዝጽውዕ ዘሎ ፈደረሽን መሰላት ኤልጂቢቲኪዩ ሽወደን RFSL ዝገበሮ መጽናዕቲ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሽወደን ኩለን ኣዋልድ ኣብ ግዜ ንእስነተን ክታበት ኤች.ፒ.ቪ ብነጻ ይወሃበን እዩ። ይኹንምበር ኣብ 2009 ወይ ድሕሪኡ ዝተወልዱ ኣወዳት ጥራይ እዮም ናጻ ክትባት ክወሃቦም ጸኒሑ። እዚ እናኾነ ብዙሓት ሰብመዚ ክንክን ጥዕና ዞባታት፡ ነቲ ስሩዓት ሰራሕተኛታት ዕረፍቲ ዝወስዱሉ ኣዋርሕ ሓጋይ ንምሽፋን እኹላት ነርስታትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ንምምልማል ይቃለሱ ከምዘለዉ ገሊጾም። ብመሰረት ዳህሳስ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን፡ እቲ ኩነታት ካብ ዝሓለፈ ሓጋይ ዝኸፍአ ኮይኑ ተመዝግቡ ምህላዉ፡ ሰብመዚ ጥዕና ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ክንክን ጥዕና ኢንዱስትርያዊ ስጉምቲ ከም ጸገም ኣልዒልዎ’ሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ሽግር፥ ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ሊክሰለ ዝርከብ ክፍሊ መወለዳን ካብ ዝዕጾ ሻሙናይ ሰሙኑ ሒዙ’ሎ