ተመራመርቲ ሽወደን ነቲ ዝዓበየን ኣብ ባሕሪ ዝተተኽለን ንፋሳዊ ጸዓት ሊልግሩንድ፡ ንህይወት ዓሳታት ሓዊስካ ንማያዊ ፍጥረታት
ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ይምርምሩ ምህላዎም ተሓቢሩ። ጀላቢ ቶርብዮርን ፓልሰን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ
ዝነበረ ኮድ ዝተባህለ ዓሳ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ይዛረብ። ክሳብ ሕጂ ግን እቶም ተመራመርቲ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾኑ
ኣጣሊሎም ክፈልጡ ኣይከኣሉን። ካብ 2022 ጀሚሩ፡ ኩሉ ንግዳዊ ምግፋፍ ዓሳ ኮድ ኣብቲ ንፋስ ዝፈርየሉ መጻብቦ ኦረሱንድ
ክልኩል ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ።