ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜን ዘካይዶ ዘሎ ስርሒታት ኣበርቲዑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኩሎም ነበርቲ ከተማ ቓዛ ናብ ደቡብ ናብ ማእከላይ ምድረበዳ ቓዛ ክግዕዙ ሓቢሩ። ብነፈርቲ ዝተደርበየ ወረቓቕቲ፡ “ኩሉ ሰብ ኣብ ከተማ ቓዛ”፥ ካብቲ “ሓደገኛ ናይ ውግእ ዞባ” ብውሑስ መስመራት ኣቢሉ ክወጽእ ኣዚዙ’ሎ። እዚ ምውጽእ ድማ ብክልተ ጽርግያታት ኮይኑ ናብ መዕቆቢታት ደይር ኣልባላን ኣልዛዋይዳን ዝወስድ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ብሰራዊት እስራኤል ዝተዋህበ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ከተማ ቓዛ ነበርታ ጠቕሊሎም ክወጹ ክሕተቱ ሕጂ ንኻልኣይ ግዚኦም እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት፡ ሓይልታት እስራኤል ፡ ተዋጋእቲ ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ዳግማይ ከምወተህደራዊ ሓይሊ ከምዝተጠርነፉለን ኣብ ዝእመነለን ሓያሎ ኣውራጃታት ዳግማይ ምእታዎም ዝፍለጥ እዩ። እስራኤል ኣብታ ከተማ እትገብሮ ዘላ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት፡ ነቲ ትማል ረቡዕ ኣብ ቀጠር ዳግማይ ዝተጀመረ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆታትን ዝምልከት ልዝብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክብል ሓማስ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብቲ ልዝብ ሓለፍቲ ስለያ ግብጺ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ከምኡ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ቀጠር ይሳተፉ ኣለው። ላዕለዋይ በዓል መዚ ሓማስ ሑሳም ባድራን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እስራኤል “ስርሒታት ምድብዳብ ቦምባታት ብምጽዓቕ ከምኡውን ምምዝባልን ህልቂት ብምፍጻም ኣብቲ ልዝብ ጸቕጢ ክትገብር ትፍትን ኣላ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብወገኑ እስራኤል “ቀይሕ መስመራት” ክሳብ እተዓቀበ፡ ንልዝብ ድሉውቲ ምህላዋ ኣስሚሩሉ። ኣብ ከተማ ቓዛ ዛጊት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ከምዝነብሩ ዝግመት ኮይኑ – ገሊኦም ናብ ደቡብ ክግዕዙ ተራእዮም ኣለዉ። ገና ብዙሓት ግና ክወጹ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ባይቶ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዝጅምር ንደሓር 60% ተጋደልቲ ሓማስ ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቖሰሉ ገሊጹ’ሎ። ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ዓጸፋ ንምምላስ ኣብ ቓዛ ንጉጅለ ሓማስ ንምጥፋእ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ቓዛ ልዕሊ 38,295 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።