ሽወደን ድሕሪ 1997 ኣብዚ ዓመት ዝወሓደ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ክመጹዋ ትጽቢት ከምዘለዋ ካብ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ዝተገብረ ትንበያ ኣመልክት። ሚኒስተር ሚግሬሽን ማርያ ማልመር ስተነጋርድ ነዚ ኣሃዛት ኣመልኪታ ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጣ’ላ። ብተወሳኺ ድሕሪ 1973 ንፈለማ እዋን ሽወደን ነጋቲቭ ኣሃዛት ስደት ከምዘራየት እቲ ኣሃዛት ኣመልኪቱ’ሎ።— እዚ ማለት ናብ ሽወደን ካብ ዝግዕዙ ሰባት ብዝበዝሐ ቊጽሪ ካብ ሽወደን ዝወጹ ሰባት ተመዝግቦም ኣለዉ
ብኻልእ ዜና ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ቦታ ንምርካብ ዘሎ ውድድር እናጸንከረ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ሓደ ካብዞም በዚ ዝተጸልዉ ጉጅለ፡ ታሽዓይ ክፍሊ ዝወድኡ ኮይኖም፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ጥራይ ምሕላፍ ነጥቢ ዘይብሎም ተማሃሮ እዮም። እዚኦም ንላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብቑዓት ኣይኮኑን፡ እንተኾነ ግን ነቲ ዝጎደለ ትምህርቲ እናካወኑ ሃገራዊ ፕሮግራም ከጽንዑ ናብ ዘኽእሎም ፕሮግራም-ተኮር ኣማራጺ ወይ IMV ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር ኣብዚ ቀውዒ ናይ IMV ቦታ ምውሓስ ዝኸበደ ክኸውን ትጽቢታት ኣሎ።