ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝህብ ኩሉ ዜጋታት ናብ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝገብርዎ ጉዕዞ ክውዝፉ ኣተሓሳሲቡ። መርበብ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ምዕባለታት፡ ኣብቲ ዞባ ዝባላሕ ዘሎ ግጭት ናብ ዝያዳ ጎነጽን ሓደገኛን ኲነታት ይምዕብል ከምዘሎ ይሕብር። በዚ ድማ ሽወደናውያን ኣብቲ ”ስቨንስክሊስታን” ዝብሃል ናይቲ ሚኒስትሪ ዳታ ክምዝገቡ ይምከሩ ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መድረኽ X ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ኩነታት ጸጥታ ማእከላይ ምብራቕ ቀልጢፉ ክበላሾ ከምዝኽእል ብምምልካት ነቲ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ብዕቱብ ክወስድዎ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።