ቊጽሮም እናበዝሐ ዝመጹ ሽወደናውያን ናብቲ ንሲቪላውያን ክፉት ዝኾነ ኣጋር ሰራዊት ሽወደን ማለት ሓለዋ ውሽጢ ሃገር ክጽንበሩ የመልክቱ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣብ መንጎ ዝሓለፋ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ጥራይ ቁጽሪ ኣመልከትቲ ናብ 3000 ክብ ኢሉ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ካብ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ሓላፊ ስታፍ “ሓለዋ ውሽጢ ሃገር” ፒተር ኦበሪ፡ እቲ ዝዓበየ ወሰኽ መመልከቲታት ድሕሪ’ቲ ኣብ ሳለን ዝተኻየደን ሽወደናውያን ንኲናት ክዳለዉን ዝጸውዐ ዋዕላ ማሕበርን ምክልኻልን ምዃኑ ይገልጽ። ሓውረ ሰላም ካብቶም ከገልግሉ ዝደልዩ መንእሰያት ሓደ እዩ። ናብ ውትህድርና ከይምልመል ብምባል ውግእ ካብ ትውልዲ ዓዱ ዒራቕ ኩርዲስታን ዝሃደመ ሓውረ ሕጂ ግን ኣብ ሓለዋ ገዛ ሽወደን ከገልግል ድሌት ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ። ንሱ ”ሃገረይ ኣየ እየ ዝፈትዋ በዚ ድማ ክከላኸለላ እደሊ እየ” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።