ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ሃገሩ ዝፍጸም ዘሎ አጥቃዕቲ እስራኤል “ህልቂት” እዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝበለ
ሆስፒታላት ሊባኖስ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዒላማ ዝገበረ ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል
ተቓሊዐናሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እዩ። እስራኤል ብወገና ኣማኢት ቦታታት ዕላማታት ሕዝቦላህ ከም ዝሃረመት ብምግላጽ፡ እቲ ጉጅለ
ኣብ መንበሪ ከባቢታት ኣጽዋር ሓቢኡ ኣሎ ክትብል ከሲሳ’ላ። ትማል ሰሉስ፡ እቲ መጥቃዕቲ እናቐጸለ፡ ሰራዊት እስራኤል ንሓላፊ
ሓይልታት ሮኬት ሕዝቦላህ ክቐትል እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ድማ እቲ ጉጅለ ንሊባኖስ “ናብ ደረት ዘይትወጾ
ዓዘቕቲ” ይመርሓ ከምዘሎ ገሊጹ እዩ። ሕዝቦላህ ኣብ ምላሹ ልዕሊ 300 ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ብምትኳሱ ሽዱሽተ
ሰባት ከምዝቖሰሉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ። ዋላ’ኳ ክልቲኦም ወገናት ንድሕሪት ክምለሱ ዝደልዩ እንተዘይመሰሉ፡ ፕረዚደንት
ኣሜሪካ ጆ ባይደን ግን ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምሉእ ግጭት “ንዝኾነ ሰብ ዝጠቅም ኣይኮነን”
ክብል ብምግላጽ፡ “ሕጂ’ውን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ማይ ኣይሓለፎን” ክብል ኣጽኒዑ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ
ጉተረዝ ዓለም “ሊባኖስ ካልእ ጋዛ ክትከውን ክትፈቅድ የብላን” ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላህን ብሰንኪ ኲናት ቓዛ ዝተበገሰ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ስግረ-ዶባዊ ውግእ፡ መብዛሕትኦም
ተዋጋእቲ ሕዝቦላህ ዝኾኑ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት
ተመዛቢሎም። ሕዝቦላህ ንሓማስ ንምድጋፍ ይዋሳእ ከምዘሎን ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ክሳብ ዝፍጸም ደው ከምዘይብልን
ገሊጹ’ሎ። ክልቲኦም ጉጅለታት ብኢራን ዝድገፉ ኮይኖም፡ ብእስራኤል፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ
ውድባት ዝተመደቡ እዮም።