ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምትሕብባር ኖርዲክን ባልቲክን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንላዕሊ ዝዓሞቐዩ ኢሉ። ትማሊ ሰኑይ ክሪስተርሾን ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን ቀዳማይ ሚኒስተራት ኖርዲክን ኣብ ስቶክሆልም ኣኼባ ኣካዪዱ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትዋንያ ቪልኒየስ ዝተራኸቡ ሰለስተ ቀዳማይ ሚኒስተራት ባልቲክ፡ ሞስኮ እተካይዶ ዘላ ምፍራህ ንዩክሬን ካብ ዘለዎም መትከላዊ ደገፍ ከም ዘይዓግቶም ገሊጾም። ክሪስተርሾን ኣብ ሽወደናዊ ንግዳዊ ጋዜጣ ዳገንስ ኢንዱስትሪ ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ ንጎረባብትና ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣድናቖት ኣሎና፡ እንተኽነ ግና ንኣገዳስነት ግብራዊን ስርሒታዊን ምትሕግጋዝ ክንድቲ ዝግባእ ኣቓልቦ ኣይሃብናዮን ጸኒሕና ኢሉ’ሎ። “ኣብ ክልቲኡ ውድባት ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ዝዓሞቐ ምትሕግጋዝ እንተተደልዩ ክንራኸብ፥ ክንላለን ሓባራዊ ዝምድና ክንሃንጽንከድልየና እዩ” ክብል ክሪስተርሰን ጽሒፉ። ሽወደን ኣብ ወርሒ መጋቢት ፊንላንድ ድማ ኣብ ሚያዝያ 2023 ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ተጸንቢረን እየን። ምስፍሕፋሕ ኔቶ፡ ብሰንኪ ወራር ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዝነበረ ጸጥታዊ መልክዕ ኤውሮጳ ዳግመ ምትዕርራይ ክገብር ምቕሳቡ፥ እዚ ድማ ን ፑቲን ኦኣብዪ ጽፍዒት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ሕጂ ባሕሪ ባልቲክ ዳርጋ ብሃገራት ኔቶ ተኸቢቡ ስለዘሎ፡ ነቲ ኣብቲ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ዘሎ ምሕዝነት ኣደልዲሉ ኣሎ። ባሕሪ ባልቲክ ናብ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ሩስያን ኣብ ከባቢ ካሊኒንግራድን ዘጠቓልል ማያዊ ኣካል እዩ። መራሒ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ ዞባዊ መዛኑኡ ተኸታታሊ ኣኼባታት ብምክያድ ንዓኣቶምን ንሽወደንን ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት፡ ምክልኻል፡ ምግራብ፡ ኩነታት ኣየር፡ ስደት፡ ገበንን ካብ ሩስያ ዝመጽእ ጸጥታዊ ስግኣታትን ኣልዒሉ ዘትይ’ሎ ክብል ገሊጹ። ክሪስተርሰን፡ ፖሊሲ ጸጥታን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ሾልዝን ቀዳማይ ሚኒስተራት ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድን ኣይስላንድን ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ቪልኒየስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሊትዋንያ ኢንግሪዳ ሺሞኒተ፡ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ባልቲክ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢስቶንያ ካጃ ካላስን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ላቲቭያ ኤቪካ ሲሊንያን ተቐቢላ እያ። ኢስቶንያዊ ካላስ ከምዚ ብወገኑ “ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ጽላሎት ኲናት ኣብ ልዕሊ ምሕያል ንዩክሬን ደገፉ የርኢ ንዘሎ ናጻን ዴሞክራስያዊን ዓለም ከተፈራርህ ትረአ’ላ” ክትብል ኣተሓሳሲባ’ላ። “ሩስያ ንስለ ዩክሬን፡ ድሕነት ኤውሮጳን ዓለማዊ ስርዓትን ኣብቲ ኲናት ክትስዕር እያ ዘለዋ” ኢሉ’ሎ ላቲቭያዊ ሲሊንያ።