ምስሊ ፊንላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓይኒ ኣህጉራውያን ሰብ ተውህቦታት እናንቈልቈለ ምምጽኡ ብኢንተርኔሽንስ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዳህሳስ ወጻእተኛታት ኣመልኪቱ። እቲ መጽናዕቲ ወጻእተኛታት ሰብ ተውህቦ ብዛዕባ ዝንበሩሉ ሃገር እንታይ ከምዝስምዖም ዝድህስስ እዩ። እታ ሃገር ባዒንቲ ሰብ ተውህቦ ወጻእተኛታት ዝነበራ ደረጅ መስሕብ ካብ መበል 16 ናብ መበል 51 ምውራዱ፡ ንቱርኪን ኩዌትን ጥራይ ምቕዳማ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ’ሎ። ኣብቲ ካብ ኢንተርኔሽንስ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ንኡስ ኣርእስቲ “ፊንላንድ ኣብ 2024 ዝዓበየ ክሳራ ኣጋጢምዋ’ሎ” ይብል። “ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ፡ ብጽሒት ናይቶም ኣብኡ ብህይወቶም ሕጉሳት ዝኾኑ ወጻእተኛታት ካብ 78% ናብ 51 ሚእታዊት ወሪዱ’ሎ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ምደባ ተርታ ፓናማ ቀዳመይቲ ኮይና ክትዕወት እንከላ፡ ሜክሲኮ፡ ኢንዶነዥያ፡ ስጳኛ፡ ኮሎምብያ ታይላንድ፡ ብራዚል፡ ቬትናም፡ ፊሊፒንስን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዒበን ኣለዋ። እቲ መጽናዕቲ፡ ነቲ ናይ ወጻእተኛታት ተመኩሮ ብዓይኒ ከም ደረጃ ህይወት፡ ሃዋህው ስራሕ፡ ደረጃ መነባብሮን ካልእን ዝግምግም እዩ። ፊንላንድ፡ ኣብ ዲጂታላዊ ዓቕሚ (6ይ)፡ ከምኡ’ውን ክሊማን ኣከባብን (8ይ) ጽቡቕ ውጽኢት ከምዘርኣየት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስራሕ (መበል 46)፡ ምቹእ ምቕማጥ ኣብ (መበል 50) ከምኡ’ውን ውልቃዊ ፋይናንስ (መበል 52) ምድባት ግን ብዙሕ ናእዳ ከም ዘይረኸበት እቶም ጸሓፍቲ ኣጉሊሖም።
“ብተዛማዲ ልዑል ዋጋ መነባብሮ ምስ ዝህሉ፡ ወጻእተኛታት ነቲ ዝጥቀሙሉ ኣታዊ ስድራቤቶም እኹል ኢሎም ኣይሓስቡን፥ ብፋይናንሳዊ ኩነታቶም’ውን ኣይዓገቡን” ይብል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ። “እቲ ዝሑል ኩነታት ኣየር ናብ ማሕበራዊ ዓንኬላት እውን ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ፊንላንድ ኣብ ብቐሊሉ ምቕማጥ ከምኡ’ውን ሰለስተ ንኡሳን ተርታ፡ ማለት ምስ ሰባት ዝፍጠር ምሕዝነት፡ ባህሊ ከምኡ’ውን ምስ ሰባት ቅልጥፍ ኢልካ ምቅርራብ ድኹም ተርታ ኣመዝጊባ’ላ።
እታ ሃገር፡ ንመዐቀኒ ዓይነት ህይወት ዝቖሙ ንኡሳን ምድባት፡ ማለት ክሊማን ከባብን፡ ጉዕዞን መጓዓዝያን፡ ኣማራጺታት ትርፊ ግዜ፡ ክንክን ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ድሕነትን ኣብ ዝምርምረሉ እዋን፡ ካብ 3ይ ናብ መበል 26 ደረጃታት ብ23 ደረጃታት ወሪዳ’ላ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበረሰብ ስታርትኣፕ ፊንላንድ ሪካ ፓካሪነን ትማሊ ሓሙስ ምስ ሄልሲንጊን ሳኖማት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት በቲ ምንቊልቋል ተርታ ፊንላንድ ከም እተገረመ ገሊጹ’ሎ።
“ጉልበትን ተውህቦን የድልየና ኣብ ዘለወሉ እዋን ምንቊልቋልና ኣሉታዊ እዩ” ኢሉ’ሎ። ድሮ እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣስታት 50 ሽሕ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ክትስሕብ ከምዘለዋ ኣሚቱ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።