ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ “ዳዕሽ“ ምትእስሳር ዘለዋ ሽወደናዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን፡ ብገበን ምጽናት
ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ልዕሊ ያዚዳውያን ኣብ ሶርያ ብዝተፈጸመ ከቢድ ገበናት ኲናትን ተጠርጢራ ክትኽሰስ
ትጽቢት ይግበር ክትብል ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እቲ ንሓሙስ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ስቶክሆልም ዝቐርብ ክሲ፡
ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ተዛረብቲ ቋንቋ ኩርዳውያን ያዚዲ ኣብ ራቓ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ዝምልከት እዩ። እታ ድሮ ብገበን ኲናት ኣብ ማእሰርቲ ትርክብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነቲ ክሲ ኣየኦኣልኲዎን ብምባል ነጺጋቶ’ላ። ብኻልእ ዜና– ኣብ መላእ ሽወደን ብዕንጸይቲ ዝተሰርሑ ህቡባትን ንክሊማ ምቹኣትን ሞዱላር መንበሪ ህንጻታት ይተኣታተዉ ኣለዉ። ዋላ’ኳ
ባርዕ ሓዊ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ንምጥፋእ ኣጸጋሚ እዩ ዝብል ስክፍታ እንተሃለወን – ኣብ መንጎ እቶም ሞዱላት ብዝተኸስተ
ባርዕ ሓያሎ ህንጻታት ክፈርሱ ዝተገደዱ ምንባሮም እናተፈልጠ፥ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝያዳ ተመሳሰልቲ መንበሪ ይህነጹ ኣለዉ