መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዝሓላፈ ቀዳመ ሰንበት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ወፍሪ ጎስጓስ ምርጫ እናገበረ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ብትሪ ኮኒኑ። በቲ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ሕጹይ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶ ዝፍለጥ እዩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም፡ እቲ ተኹሲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑን፡ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ጎነጽ ከኣ ክዂነን ከም ዝግባእ ገሊጹ። ትራምፕ ኣብ ጒንዲ እዝኑ ቀሊል መጉዳእቲ በጺሕዎ፡ እቲ ጥርጡር ድማ ብጥይት ተቐቲሉ እዩ።
ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ደገፍቲ ከኣ ሓደ ሰብኣይ ከም እተቐትለ ዝፍለጥ እዩ። ብተመሳሳሊ ዜና
ዶናልድ ትራምፕ እዝኑ ተሓኪሙን ፋሻ ተጠቕሊሉ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ሪፓብሊካን ብዓወት ናብ ዓይኒ ህዝቢ ድሕሪ ምምላሱ ካብ ኣሽሓት ደገፍቱ ጽቡቕ ኣቀባብላ ረኺቡ። ትራምፕ ኢዱ ብምልክት ዓወት ብምልዓል ኣብ ሚልዎውኪ ዝገበሮ ቀጥታዊ ምርኢት “ኣምላኽ ኣመሪካ ይባርኽ” ዝብል ደርፊ ከሰንዮ ተራእዩ’ሎ። ብድሕሪኡ ቀስ ኢሉ ኣብ መንጎ እቶም አሊኦም ዝነብዑ ዝነበሩ ደገፍቲ ሰለይ ኢሉ እዩ። ንሰለስተ ደቁ ሓዊሱ ንወሰንቲ ፖለቲካዊ መሓዙቱን ኣባላት ስድርኡን ሰላምታ ድሕሪ ሂቡ። ኣብዚ ሰላምታ ግና ንበዓልቲ ቤቱ ሜላንያ ግን ኣይሓወሰን።
ኣብ መንጎዞ ደገፍቱ ትራምፕ ቅድሚ ብጥይት ምቚሳሉ ዘውጽኦ ጭርሖ ብምድጋም “ተቓለሱ! ተቓለሱ! ተቓለሱ!” ክብሉ ተሰሚዖም ኣለዉ። እቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ውድድር ሕጹይ ሪፓብሊካን ዝኾነ ትራምፕ፡ ኣብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ ማዕበል ፖለቲካዊ ናህሪ ክጋልብ ዝደሊ እዩ ዝመስል። ሰልፊ ዲሞክራትስ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ክትዕ ዝተሓተ ነጥቢ ዘመዝገበ ወዲ 81 ዓመት ጆ ባይደን፡ ንሕጹይነቱ ኣብ ሕቶ ከእቱ እንከሎ፡ ቀጽሪ ትራምፕ ግና ኣብ ቀረባ እዋን ሕጋዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ’ሎ።