ኣፍራዪ ባትሪ መካይን ኖርዝቮልት ኣብ ሽወደን 1600 ሰራሕተኛታት ከፋኑ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣፡ ካብዚኦም እቶም 1000 ኣብ
ስከለፍተዮ ዝርከብ ፋብሪካኡ ዝፋነዉ ምዃኖም ሓቢሩ’ሎ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ኖርዝቮልት ኣብ ስከለፍትዮ ዝርከቡ
ሰራሕተኛታት ናይ ፍቓድ ስራሕ ስለዘለዎም ኣብ ሽወደን ክጸንሑ እንተደልዮም ግድነት ስራሕ ክረኽቡ ከድልዮም እዩ። ክሪስቲና
ሱንዲን ጆንሰን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስከለፍተዮ፡ “እቶም ዝተረፉ ስራሕ ናይ ምስኣን ሓደጋ ዘለዎም ሽሕ ሰባት ከነጽንሖም
ንደሊ ኢና” ኢላ’ላ
ብቪዛ ስራሕ ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኖርዝቮልት፡ ሕጂ ስራሕ ብምስኣኖም ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ሓድሽ
ስራሕ ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ካብታ ሃገር ክወጹ ክግደዱ ከም ዝኽእሉ ሬዶ ሽወደን ገሊጻ።
“እዚ ከቢድ’ዩ፡ ቀሊል ዜና ኣይኮነን፡ ግን ክንብድሆ ኢና” ክብል ሓደ ካብ ህንዲ ብ ቪዛ ስራሕ ዝመጸ ሰራሕተኛ ኖርዝቮልት ኣብ
ስከለፍተዮ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡፡ ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብታ ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ከተማ ዝርከብ
ፋብሪካ ባትሪ ናይቲ ኩባንያ ካብ ስራሕ ምፍናው ምእዋጁ ብዙሓት ስራሕተኛታት ብኣሉታ ተጸልዮም ኣለዉ። ከም ብዙሓት ካልኦት
ብስራሕ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ሰባት፡ እዚ ርእይቶኡ ስርሑ ናይ ምዕቃብ ዕድሉ ብኸመይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ብምስጋእ ስሙ
ክርቋሕ ፍቓደኛ ኣይኮነን።