ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንኢራናዊ በዓልመዚ ጸዊዑ ኣዘራሪቡ። ሽወደን ነዚ ስጉምቲ ትወስድ ዘላ፡ ኣገልግሎት ስለያ
ሽወደን–“ሳፖ”፡ ኢራን ንኣባላት መርበባት ገበነኛታት ሽወደን ከም ውክልና ተጠቒማ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም
ምጽንሓ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ–ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ሽወደን ነቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ “ቻርጀ ደ ፈየር” ኢራን ጸዊዓ ዘዘራረበትሉ ምኽንያት ነቲ ኲነታት
ብዕቱብ ከም እትርእዮ ንምግላጽ እዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። ኢራን ድሌታት ንምፍጻም ወከልቲ ናይ
ምጥቃም ነዊሕ ታሪኽ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ጎነጽ ትዋሳእ ኣላ
ክብል ክኢላ ተርእዮ ግብረሸበራ ማግኑስ ራንስቶርፕ ገሊጹ’ሎ።