ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ
ጽሑፍ ካብ መንግስቲ ስልጣኑ ብፍቓዱ ምስንባቱ ኣፍሊጡ። ዝመጽእ ሰሙን ጒባኤ ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ–ምስ ተኸፍተ
ስልጣኑ ብዕሊ ክገድፍ እዩ። ቢልስትሮም ብዓወታቱ ከም ዝሕበን፡ ካብ ፖለቲካ ኸኣ ጠቕሊሉ ክወጽእ መደብ ከም ዘለዎ
ጽሒፉ’ሎ። እቲ ካብ ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ሞደራት ዝኾነ ምኩር ፖለቲከኛ ቢልስትሮም፡ ነቲ ውሳነ ካብ ዝሓስበሉ ክልተ
ዓመታት ምግባሩ እውን ገሊጹ’ሎ።
“ኣብዘን ክልተ ዓመታት ብዝረኸብናዮ ዓወታት ሕጉስ ኣዝየን ሕቡንን እየ፥ ሽወደን ብዙሕ መሰናኽል ሓሊፋ ኣባል ወተሃደራዊ
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ምዃና ሓደ ካብዚ እዩ። በዚ ኣቢልና ድማ ሕጂ ን ልዕሊ 200 ዓመት ካብ ዝተኸተልናዮ ናይ
ዘይሻራነት መትከል ወጺእና ኣለና”—ክብል ኣብ X ጽሒፉ’ሎ። ሽወደን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ኔቶ ምጽንባራ
ዝፍለጥ እዩ። እቲ መስርሕ ምጽንባር ብተቓውሞ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ኔቶን ዝኾነት ሃንጋሪ ዝተሓላለኸ መስርሕ ዝሓለፈ
ኮይኑ፡ ንልዕሊ 600 መዓልታት ምትእጒጋሉ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ዕዉት መስርሕ ስሙ ዝጥቀስ ቢልስትሮም ካብ ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ኣብቲ ስልጣን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኮይኑ ዘገልገለ እዩ።